ብተንቀሳቓሲ ዓይነት ትምህርቲ ንኽትመሃሩ ብደሓን ምጽኡ!

ንተመሃሮን ወለድን ሓደ ሓድሽ ዓይነት ዲጅታል መምሃሪ ኣብ ኮሙዩንኩም ተድልዩልኩም ከምዘሎ ክንሕብረኩም ንደሊ። እዚ ኸኣ ሓደ ክፋል ናይቲ ዕብየት ትምህርትኹም ብዘሐጉስ ኣገባብ ንኽኸውን ዝተገብረ ኢዩ። እዚ ሓድሽን ዘመናውን ዓይነት መምሃሪ ኰይኑ ኣብ ሞብይልኩምን ኮምፕዩተርኩምን ብምእታው ኣብ ገዛኹም ኰነ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ መምሃሪ ሓጸርቲ ንጡፋት ስእልታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ነቶም 10 ዝውቱራት ዓይነት ትምህርታት፡ ብስሉጥን ቅልጡፍን ኣገባብ የረድእ። ኣብቲ መምሃሪ ነጥብታት ከተዋህልሉን ሕቶታት ክትምልሱን ከምኡው’ን ቅድሚ ዕዮ-ገዛን መርመራን ምግባርኩም ድግማን ልምምድን ክትገብሩ ትኽእሉ።

ትኽ ኢልኩም ጀምሩ

ኣብ ናይ ቤት ትምህርትኹም መይል ኣድራሻ ብዛዕባ ኢንሎግኒንግ (inloggning) ዝሕብር መይል ተገይሩልኩም ኣሎ። ድሕሪኡ ኣብ STUDI.SE ኣቲኹም ሎጋ ኢን (logga in) ግበሩ።

እቲ መይል ኣይረኸብኩሞን፧

መምህራንኩም ናይ ኢንሎግኒንግ፡ ከመይ ኢልኩም ከምትኣትዉ ዘድሊ ሓቤረታ ኣለዎም ስለዚ ባዕልኹም ንምእታዉ ምስ ዝጽግመኩም ኩሉ ጊዜ ሓገዝ ንመምህርኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ እዚ መምሃሪ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም ንመምህርኩም ሕተቱ፡ ወይ ድማ ኣብ support@studi.se ጽሓፉ።

Det här inlägget postades i Okategoriserade. Bokmärk permalänken.

Lämna ett svar

Din e-postadress kommer inte publiceras. Obligatoriska fält är märkta *